Hopp til hovedinnholdet

ጽዑቅ ናይ ወለንታዊ ስራሕ ስልጠና

ገዛእ ርእስኻ ነዚ ብምምሃር፡ ወለንተኛ ኩን!

Velg språk:

ክትጽንበሮም እትኽእል ብዙሓት ኣገደስቲ ትካላት ኣለዉ።

Penelope Lea
Miljøagentene, Oslo

ገለ ካብ ግዜኻ ብምዉፋይ ጠቃሚ ዝኾነ ነገር ተኻፈል!

ክትሰርሖ ደስ ዝብለካ ነገር እንታይ ኢዩ፧ ነቲ ደስ ዝብለካ ነገር ምስ ካልኦት ሰባት ኣብ ናይ ንመኽሰብ-ዘይሰርሕ ትካል ኮይንካ ክትሰርሕ’ዶ ተደሊ፧ ኣብ ትካላት ንሰባት ክትፈልጥን፡ መሓዙት ከተጥርን ትኽእል ኢኻ። ሓድሽቲ ነገራት ከኣ ክትፈልጥ ትኽእል። ፍልጠትካ እንዳ ኣዕበኻ ተሞክሮ ክትእክብን ኣብ ናይ ሞያዊ ህይወትካ፡ ምዝንጋዕን ዕለታዊ ናብራን ዝሕግዙኻ ሰባት ከኣ ክትላለ ትኽእል።

ማዕረ ክንደይ ሓጋዚት ምዃነይ ክኸዉን ክምዝኽእል ዝተረደኣኒ፡ ብትካል ረዲኤት ህዝቢ ኖርወይ (Norsk Folkehjelp) ምስተቆጸርኩ ኢዩ።

Nour Aburashid
Norsk Folkehjelp

ንመኽሰብ ዘይሰርሓ ትካላት

ኣብ ኖርወይ ዳርጋ 100,000 ዝኾና ናይ ንመኽሰብ ዘይሰርሓ ትካላት ኣለዋ። ኣብዘን ንመኽሰብ ዘይሰርሓ ትካላት፡ ንሕና ኣብቶም ዘገዱስና ነገራት ንተሓጋገዝ። እዚ ሓቢርካ ምዝማር፡ ንቆልዑ ናይ ትያትር መደብ ምድላው፡ ንድሕነት ኣከባቢ ምስራሕ ወይ ኣብ ወልፊ ንዘለዉ ሰባት ምሕጋዝን ካልእን የጠቃልል።

ወለተኝነት ማለት ካብ ግዜኻ ወፊኻ ንሓደ ዕላማ ወይ ማሕበረ ኮም ብዘይ ክፍሊት ምሕጋዝ ማለት ኢዩ። ልዕሊ 60% ካብ ኖርወይ ዘሎ ህዝቢ፡ ዓብይ ኮነ ንእሽቶ፡ ኣብ ዉሽጢ ሓደ ዓመት ብወለንታ ይሰርሕ ኢዩ። እዚ ዓይነት ጻዕርታት ነዘን ንመኽሰብ ዘይሰራሓ ትካላት ኣገደስቲ ኣካል ናይ ሕብረተሰብ ኖርወይ ጌርወን ይርከብ፡ በዚ ምኽንያት ከኣ በኣሽሓት ዝቁጸራ ንኣሽቱን ዓበይቲ ማሕበረ ኮማት ናይ ቢልዮናት ሃብቲ ከመጭዋ ክኢለን ኣለዋ።

ብሓቂ፡ ዘይጠቅም ወይ ኣዝዩ ከቢድ ዝበሃል ስራሕ ዘየልን ኮይኑ’ዩ ዝስመዓኒ። ኩሉ ዓይነት ስራሕ ክግበር’ዩ ዘለዎ፡ ሆትዶግ ምኽሻን ይኹን ኬክ ምስራሕ ወይ ጉሓፍ ምእካብ ወይ ምጽርራይ ካልእ ዝኾነ።

Marit Nerland
Molde Janitsjar, Molde og Omegn Idrettsforening

ክትጽንበር ትኽእል ኢኻ!

ናይ ወለንታ ስራሕ ንኩሉ ክፉት ኢዩ! ብዉልቂ ወይ ከኣ ምስ ካልኦት ምስ መሓዙትን ወይ ቤተሰብ ምስታፍ ይከኣል። ኣብ እትሳተፈሉ እዋን፡ ምስ ካልኦት ተመሳሳሊ ተገዳስነት ዘለዎም ሰባት ኢኻ እትሰርሕ። እዚ ድማ ንዕላማ’ቲ ትካል ኣብ ምዕዋት ተበርክትን፡ ንካልኦት ከኣ ዓቅሚ ትኾኖምን፡ ነቲ ትነብረሉ ሕብረተሰብ ከኣ ትጸልዎን ኣለኻ።

ብኸመይ ክሳተፍ ይኽእል፧

  •  

    ንኣባላትና ዝኾና ትካላት ድለየን

    ልዕሊ 300 ዝኾና ብዓሰርተታት ኣሽሓት ዝኣክል ናይ ዉሽጢ ሃገር ኮማትን ማሕበራትን ዝሓቁፋ ትካላት ኣለዋና። ንዓኻ ዝምስጠካ እንተሃልዩ ተመከት!

  •  

    ኣብ Frivillig.no ተመዝጊቡ ዘሎ ስራሓት ደለ

    Frivillig.no ካብ መላእ ኖርወይ ዘሎ ናይ ወለንታዊ ስራሕን ትካላትን መዝገብ ዘቅርብ ኢዩ። ኣብ Frivillig.no ትካላት ሓደስቲ ወለንተኛታት ይቆጽራ። ብዙሓት ሰባት ዝደልይዎ ንጥፈታትን ትካላትን ኣብ Frivillig.no ኢዮም ዝረኽቡ። እዚ ኣገልግሎት ነጻ ኮይኑ ዝኾነ ወለንተኛ ክኸውን ዘደሊ ከኣ ክጥቀመሉ ይኽእል ኢዩ። እተን ንመኽሰብ ዘይሰርሓ ትካላት ብመገዲ Frivillig.no ንብዙሓታ ሰባት ክረኽባ ይኽእላ ኢየን። ብዙሓት መንእሰያትን ካብ ዉሑዳን ሕብረተሰብ ዝመጹ ሰባትን ን Frivillig.no. ዝጥቀሙ ኣለዉ።

ክንደይ ክፍሊት የድሊ፧

እዘን ንመኽሰብ ዘይሰርሓ ትካላት ብነጻ ወይ ብትሑት ክፍሊት ክትሳተፎ እትኽእል ንጥፈትታ ኣለወን። ኣብ ገለ ትካላት ንክትሳተፍ ንብረት ዘድልየሉ እዋን ኣሎ ንኣብነት ናይ ስፖርት ወይ ባንድ ንጥፈታት ምስዝኸዉን። እዞም ከምዚኦም ዓይነት ንብረታት ብነጻ ካብቲ ትካል ወይ ካብ ናይ ክራይ ማእክለ ክትረኽቦም ይከኣል። መብዛሕትኡ ግዜ፡ ኣባል ናይቲ ትካል ክትከዉን ምስ እትደሊ፡ ናይ ኣባልነት ክፍሊት ክህሉ ይኽእል። መብዛሕትኦም ትካላት ኣሕዋት ምስ ዝህልወካ ብዝጎደለ ዋጋ ይህቡኻ ኢዮም። ብዘይካ’ዚ ምስ ክፍሊት ዝተሓሓዝ ደገፋት ምግባር ዘኽእል ኣገባባት’ዉን ኣሎ። ነዞም ኣገባባት ብዝምልከት ንኣብ ከባቢኻ ዘሎ ምምሕዳር ተወከስ።

ናይ ፕላስቲክ ብራኳታት፡ መግፈፊ መሳርሒ፡ መግፈፊ ዓሳ፡ ናይ ዓሳ ሕርሻ ገመድ፡ ሴድያታ፡ ስሪንጋ፡ መጽረይ እዝኒ፡ ካብ ናይ ኩዕሶ ሜዳ ዝወጸ ጥሑን ጎማ፡ ጫማታትን ክዳዉንትን። እቲ ንረኽቦ ነገር መወዳእታ የብሉን።

Kurt Kristiansen
Vi Rydder Askøy

ብወለንታ ምስታፍካ እንታይ ትረክብ፧

ኣብ ንመኽሰብ ዘይሰርሓ ትካላት ብምስታፍካ ምስቲ ሕበረትሰበ ክትጽንበር ይኽእለካ፡ ሓድሽ ዝምድናታት፡ ፍልጠት፡ ተሞክሮን ኣገዳሲ ተዘክሮ ከተትርፍ የኽእለካ። ብዉሕዱ፡ ክንድቲ ዝለገስካዮ ክትቅበል ኢኻ!

ስለዚ፡ ነዚ ትካል ንነኣሽቱን መንእሰያትን ንክሕግዝ እየ ጀሚረዮ ንሳቶም ከም ስደተኛታት ናብ ኖርወይ ዝመጹ ኢዮም። ምኽንያቱ ኣነ ብኸምኡ እየ ምስቲ ሕብረተሰብ ክወሃሃድ ክኢለ።

Richard Kiwanuka
Way forward, Bring children from streets

ወለንተኝነት ንኖርወይ እንታይ ትርጉም ኣለዎ፧

ወለንታዊ ስራሕ ኣገዳሲ ክብሪ ናይ ህዝቢ ኖርወይ ኮይኑ፡ ንነዊሕ እዋን ከኣ ዝጸንሐ ኢዩ። እተን ንመኽሰብ ዘይሰርሓ ትካላ ፈለምቲ ናይቲ ኖርወይ እትጥቀመሉ ዘላ ሞዴል ማሕበራዊ ድሕነትን ምዕባለ ናይ ዴሞክራስናን እየን። ንምኽባር መሰል ኩሉ ሰብ ዝጣበቓ፡ ምዕቓብ ባህልን ተፈጥሮን ዝሰርሓ፡ ንህጻናት፡ መንእሰያትን ዓበይትን ጽቡቅ ናይ መዘናግዒ ንጥፈታትን ዘዳልዋ፡ ንሕሙማትን ኣረጋዉያንን ኣብ ምንክብኻብ ዝነጥፋ ብዙሓት ትካላት ኣለዋ።

ሓቅታት ብዛዕባ ወለንታዊ ስራሕ ተመልከት (Norsk)

ብዙሓት ሓገዝ ዝደልዩ ሰባት ኣለዉ ኣለዉ፡ ኣነ ከኣ ኣብ ከምኡ ዝበለ ነገራት ክሳተፍ ድልየት ሓዲሩኒ።

Ziad Altaha
Volunteer in Mandal Red Cross and Norwegian People's Aid in Mandal

Frivillighet Norge እንታይ ኢዩ፧

Frivillighet Norge ንልዕሊ 300 ዝኾና ብዓሰርተታት ኣሽሓት ዝኣክል ናይ ዉሽጢ ሃገር ኮማትን ማሕበራትን ዘለወን ንመኽሰብ ዘይሰርሓ ትካላት ዝሓቁፍ ትካል ኢዩ። ካብተን ዝነኣሳ ክሳብ እተን ዝዓበያ ኣብዚ ምሳና ክትረኽብወን ኢኹም። ንዝርዝር ኩለን ኣባላትና ተመልከቱ።

ስራሕና ንወለንታዊ ኣበርክቶ ዝዕባየ ስፍራ ምፍጣር ኢዩ። እዚ ማልተ፡

  • ስልጠናታት ምሃብን ነተን ንመኽሰብ ዘይሰርሓ ትካላት ዝእከባሉ ቦታ ምድላዉን
  • እቲ ናይ ወለንታዊ ስራሕ ዓዉዲ ዝሓሸ ገንዘባዉን ፖለቲካዉን ሃዋሁ ንክረክብ ምስራሕን ኢዩ።

Meld deg på vårt nyhetsbrev

Les personvernerklæring